BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ዜናታት

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ከይሓልፈኩም

  • ሃገራዊ ኣገልግሎት

    ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?

    እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።

  • ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ግን፡ " ዕርቅን ሰላምን ዝጽውዕ ጽምዶ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር ግን እቲ ጽምዶ ንዂናት ዘይኰነስ ንሰላም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣካላት ኢትዮጵያን እውን ክሓቍፍ ይግባእ፡" ይብል።

    ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?

    እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?

  • ሳሮን ጌታቸው

    'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው

    'ኣብ ሰሃራ ቀቢርናዮም ዝመጻእና ብዙሓት እዮም። ኣደታቶም ድማ ክፈልጣ ይግብአን እዩ። ኵልና ብሊብያ ዝሓለፍና ድማ እዚ ኣብ ሊብያ ክሳዕ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ግህሰታት ደው ክብልን ኵሉ ሓቅታት ክወጽእን ክንጽዕር ስለ ዝግብኣና ኣነ ንምንታይ ዘይጅምሮ ኢለ እየ ጀሚረ። ጕዕዞ ሊብያ ደው እንድሕር ኢሉ ድማ 'እቲ ተቐቢሩ ዘሎ ሓቅታት ክወጸእ እዩ' ብምባል ቀንዲ ዕላማኣ ተረድእ።

  • ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን - የመን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

    ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ መስመር ስደት፡ 'ንሽውዓተ ኢትዮጵያውያን ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም'

    ዓመታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትዉን፣ ብብዝሒ ድማ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ፡ ውሑዳት ካብ ሶማልያን ጅቡትን ዝመጹ ምዃኖም፡ ማእከል ምትሕውዋስ ስደተኛታት (MMC) ይግምት።

  • ፕረዚደንት ኢሳይያስ

    ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት

    ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።

  • ሓርነታዊ ገስጋስ

    ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

    እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።

  • ንግስቲ ኣሰፋ

    ትግራይ፡ 'ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን'

    ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።

  • ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

    ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳዕቤናቱን

    ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።

  • ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ (1871 - 1942)

    ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ፡ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝተቓለስሉ ኣቦ

    ኣብ ከረን፡ ኢዮሩሳሌም፡ ሮማ፡ ፓሪስ. . . ኰይኖም ዝጸሓፉዎ 46 ምርምራዊ ጽሑፋት ኣበርኪቶም ኣለዉ። ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ-ዓለም ናብ ምድረ-ሓበሻ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብርድኢት ደው ኢሎም ዝመጐቱ፡ ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኻልኦት ዘፍለጡን ዋጋ ዝኸፈልሉን እዮም። ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለዩ 83 ዓመት ኣቝጺሮም ኣለዉ - ብዙሕ ሰብ ግን ስሞም እኳ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን።

  • ፕረዚደንት ኢሰይያስ

    ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?

    ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ቢቢሲ ትግርኛ ብማሕበራዊ ሚድያ ተኸታተሉ

ዝያዳ ዝተነበ