BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት
ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን'ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ - ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ - ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ።
መንቀሊ ክልከላ ናብ ትግራይ ዝሓልፋ መካይን 'መንግስቲ ዘይቆጻጸሮ ኮንትሮባንድ ዕዳጋ' ድዩ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ [ሌ/ጀ] ብዛዕባ እቲ ብኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝግበር ዘሎ ክልከላ ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ዝሓልፋ ናይ ጽዕነት መካይን ኣመልኪቱ ምስ ኮሙሽነር ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ ሞት ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕማም በዲዶ ህበይ (ሞንኪፖክስ) ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
'ካብ ምቅላስ ዝሐሸ ኣማራፂ የለን' - ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም
ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ይምራሕ ዝነበረ ክንፊ ህወሓት፡ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብዝብል ስያመ ክልላዊ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ኰይኑ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ኣመሰራርታ እዚ ሓድሽ ውድብን ብተዛማዲ ዝለዓሉ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ካብ ወደብቲ'ቲ ሓድሽ ሰልፊ ሓደ ምስ ዝዀነ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ቃለ መሕትት ኣካይዱ ኣሎ።
ሓማስ ኣመሪካ ንዘቕረበቶ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ እንታይ መልሲ ሂቡ?
ሓማስ 10 ብህይወት ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆታትን 18 ዝሞቱ ጅሆታትን ክምልስን ብኣምሳያኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑን ድልዊ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሩስያ ድልድል ናብ ባቡር ብምፍራሱ ብውሕዱ 7 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ሩስያ ጥቓ ዶብ ዩክሬን ዝርከብ ናይ ጽርግያ ድልድል ኣብ መስመር ባቡር ብምፍራሱ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ብዛዕባ ቈርበትና ዘደንጽዉ 10 ሓቅታት
ቈርበትና ዓቢ ክፋል ኣካልና እዩ፤ ከምኡ ኰይኑ’ውን ግን ብዙሕ ሚስጥራት ዝሓዘ እዩ።
ዝጠፍኡ 250 ሚልዮን ኣናህብ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሮም
ሓንቲ ኣናህብ ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበት ዓባይ መኪና ብምግልባጣ፡ ዝሃደሙ 250 ሚልዮን ኣናህብ ኣብ መላእ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ከቢድ ራዕዲ ፈጢሮም ኣለዉ። እታ 31 ሽሕን 750 ኪሎ ዝምዘኑ ዕስለ ኣናህብ ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ኣብ ጥቃ ዶብ ካናዳ ምስ በጽሐት'ያ ሓደጋ ምግላባጥ ኣጋጢምዎ።
ትግራይ፡ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ዕግታ መካይን ጽዕነት ወጥሪ ከየጋድድ የስግእ
ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል - ምኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን - ብዛዕባ'ቲ ኵነታት መብርሂን ምኽንያትን ክወሃቦ ብደብዳበ ዝሓተተ ኰይኑ፡ ዛጊት ምላሽ ከምዘይተረኽበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ሰሜን ቓዛ ሓንቲ ተሪፋ ዝነበረት ሆስፒታል ብትእዛዝ እሰራኤል ተዓጽያ
ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ቓዛ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት ጥዕና ትህብ ዝነበረት ሆስፒታል፡ ሰራዊት እስራኤል ብቕልጡፍ ክወጽእ ድሕሪ ምእዛዙ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምዃና ዳይረክተር እቲ ሕክምና ገሊጹ። ዶክተር መሓመድ ሳልሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕሙማት ድሕሪ ናይ "ክልተ ሰሙን ከበባ" ብሓሙስ ምሸት ካብታ ኣብ ጃባልያ እትርከብ ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ብሓይሊ ከምዝወጽኡን ብምግላጽ፡ ሕጂ "ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝሰርሕ ትካል ጥዕና ከምዘየለን" ሓቢሩ።
ትስፍው ሓድሽ መድሃኒት መንሽሮ ክሳድን ርእስን
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ልዑል ደረጃ መንሽሮ ርእስን ክሳድን ዘለዎም ሰባት ነዊሕ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ሓደ ክሊኒካዊ ፈተነ ይሕብር። እዚ ንምሕካሙ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ዓይነት መንሽሮ፡ ኣብ 20 ዓመታት ናይ መጀመርታ ኣወንታዊ ምልክት ምዃኑ ተገሊጹ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ከይሓልፈኩም
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
'ኣብ ሰሃራ ቀቢርናዮም ዝመጻእና ብዙሓት እዮም። ኣደታቶም ድማ ክፈልጣ ይግብአን እዩ። ኵልና ብሊብያ ዝሓለፍና ድማ እዚ ኣብ ሊብያ ክሳዕ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ግህሰታት ደው ክብልን ኵሉ ሓቅታት ክወጽእን ክንጽዕር ስለ ዝግብኣና ኣነ ንምንታይ ዘይጅምሮ ኢለ እየ ጀሚረ። ጕዕዞ ሊብያ ደው እንድሕር ኢሉ ድማ 'እቲ ተቐቢሩ ዘሎ ሓቅታት ክወጸእ እዩ' ብምባል ቀንዲ ዕላማኣ ተረድእ።
ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ መስመር ስደት፡ 'ንሽውዓተ ኢትዮጵያውያን ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም'
ዓመታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትዉን፣ ብብዝሒ ድማ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ፡ ውሑዳት ካብ ሶማልያን ጅቡትን ዝመጹ ምዃኖም፡ ማእከል ምትሕውዋስ ስደተኛታት (MMC) ይግምት።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ትግራይ፡ 'ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን'
ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።
ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳዕቤናቱን
ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።
ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ፡ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝተቓለስሉ ኣቦ
ኣብ ከረን፡ ኢዮሩሳሌም፡ ሮማ፡ ፓሪስ. . . ኰይኖም ዝጸሓፉዎ 46 ምርምራዊ ጽሑፋት ኣበርኪቶም ኣለዉ። ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ-ዓለም ናብ ምድረ-ሓበሻ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብርድኢት ደው ኢሎም ዝመጐቱ፡ ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኻልኦት ዘፍለጡን ዋጋ ዝኸፈልሉን እዮም። ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለዩ 83 ዓመት ኣቝጺሮም ኣለዉ - ብዙሕ ሰብ ግን ስሞም እኳ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን።
ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።
ትንታነ
እስልምና፡ ሓሙሽተ ቀንዲ ተግባራት ሓጅ
ሓጅ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ዘካይድዎ ዓመታዊ ቅዱስ ንግደት እዩ።ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ካብ 4 ክሳብ 9 ሰነ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሓጃጆ ናብ መካ ከምዝበጽሑ ወግዓዊ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብሩ።
ኪነታዊ ብልሒ፡ ከም ሰብ ከፍቅር ክሓዝንን ክሻቐልን ይኽእልዶ - ብኸመይ?
እቲ እናተራቐቐ ዝኸይድ ዘሎ ቴክኖሎጂ፡ ነዞም ስምዒታት ከርእዮም ይኽእል ድዩ?
ትራምፕ ዝወጠኖ ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል 'ጎልደን ዶም' እንታይ እዩ?
ጀነራል ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ማይክል ጉትሌን፡ ነቲ ብቢልዮናት ዝቑጸር ፕሮጀክት ወርቃዊ ዶም ክመርሕ ዝተመዘዘ ሰብ እዩ።
ሃብቲ ካቶሊኻዊት ቤተክርስትያን ክንደይ'ዩ: ካበይከ'ዩ ዝመጽእ?
ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ጨናፍር - ወይ ሃገረ ስብከታት - ኣለውዋ፤ ነፍሲ ወከፈን ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ሕሳብ የመሓድራ።
ህወሓት፡ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ቀራና መገዲ
ህወሓት ኣብቲ ን17 ዓመታት ኣብ በረኻ ዘካየዶ ቃልሲ ምስ ስርዓት ደርጊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ኢድዩ፣ ጀብሃ፣ ኢህኣፓን ካልኦት ውድባት'ውን ውግእ ኣካይዱ። ንኹሉ ፖለቲካዊ ፍልልይ ከኣ ብሓይሊ እዩ ኣልዩዎ።
ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ምስራዙ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፡ መፍትሒኡ ኸ?
ንፍርቂ ዘመን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብይ ግደ ዝጸንሖ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዚኡ ኣፍልጦ ተኸሊኡ'ሎ። እዚ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ፣ መፍትሒኡ ኸ እንታይ ክኸውን እዩ? ዝብል ዛዕባ እዚ ጽሑፍ ዳህሲስዎ ኣሎ።
ትግራይ፡ ህወሓትን ወያናይ ደሞክራስን ከኽትሙ ድዮም?
ካብ ህወሓት ተፈንጪሎም ዝወፅኡ ሰባት፡ ብሊበራላዊ ስነሓሳብ ዝምራሕ ሓድሽ ውድብ ምምስራቶም፡ ካብ ወያናይ ደሞክራሲ ርሒቕካ ምኻድ ከም ዘሎ ብንጹር ዘመልክት ይመስል። እዚ ሓደ ኣገዳሲ ምዕባለ እዩ...፤
ሱዳን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ሓድሕድ ዝኸስት ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ድሮን
እቲ ኲናት ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ንሰራዊት ሱዳንን ብዝተፈጥረ ቍርቍስ ስልጣን ክጅመር እንከሎ፡ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳንን ደገፍቲ ሃገራት ወጻእን ብምስሓብ፡ ነታ ሃገር ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝበሎ ሸሚምዋ ኣሎ።
ኢብራሂም ትራኦረ፡ መራሒ ቡርኪናፋሶ ስለምንታይ'ዩ ልብን ቀልብን ዓለም ገዚኡ?
ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ ካፒቴን ኢብራሂም ትራኦረ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ልዕሊኡን ዝተጋውሐ ክኸውን ከሎ፡ ኣድነቕቱ ድማ ኣሰር (ክብሪ) ከም ናይቲ "ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ" ተባሂሉ ዝጽዋዕን ሰውራዊ ማርክሲስት ዝዀነ ወዲ ዓዱ ቶማስ ሳንካራ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣፍሪቃውያን ዘቐጽል ዘሎ ገይሮም ይርእይዎ።
ቫቲካን፡ መስርሕ መረጻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ከመይን ብመንን'ዩ ዝካየድ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 88 ዓመቶም ድሕሪ ምዕራፎም፡ ኣብዚ ሰሙን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ኣብ ቫቲካን ተኣኪቦም መረጻ ከካይዱ እዮም። እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ኮንክሌቭ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕቡእ መስርሕ እዩ። እዞም ኣብዚ ሕቡእ መረጻ ዝሳተፉ ካርዲናላት ግን ካበይ ዝመጹ እዮም? ኣብ ጂኦፖለቲካ እታ ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
'ኮንክላቭ'፡ እቲ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ መረጻ
ኣብ ቫቲካን ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 250 ዝኾኑ ካርዲናላት ተኣኪቦም ኣለዉ፡ እንተኾነ እቶም ክመርጹን ከጅምረጹን ዘለዎም ዕድመኢዞም ትሕቲ 80 ክኸውን ኣለዎ። በዚ መሰረት ከኣ 133 ካርዲናላት'ዩም ክመርጹ።
መረጻ ካናዳ፡ መራሒ ሊበራላዊ ሰልፊ ማርክ ካርኒ ተዓዊቱ
ካናዳ ብሰኑይ ንዝመጽእ ሓያለ ዓመታት ወሳኒ ዝዀነ ፈደራላዊ ባይቶኣዊ መረጻ ከተካይድ ውዒላ ነይራ።ኣብዚ መረጻ፡ መራሒ ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ ማርክ ካርኒ ተዓዊቱ'ሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ቓዛ፡ ብሪጣንያን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዓቕለን ተጸንቂቑ ድዩ?
መንግስቲ ኔታንያሁ፡ ካብ ገለ ጽኑዓት መሓዙት እስራኤል ከይተረፈ ደገፍ ይስእን ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ንመንግስቲ ፌደራል ዝሃብዎ መጠንቀቕታ
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብግብረ ራዕዲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ህወሓት፡ ብኣዋጅ ቝጽሪ 1162/2011 ዓንቀጽ 98 ኣብ ናይ ዓመጽ ምንቅስቓስ ብምስታፍ በቲ ቦርድ ተሰሪዙ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዶብ ክልተ ሃገራት - ህንድን ፓኪስታንን
ኣብ ዶብ ህንዲን ፓኪስታንን ዝፍጸም ዓመጽ ሓድሽ ኣይኰነን - ቅድሚ እቲ ኣብ 2003 ዝተገበረ ተኹሲ ደው ምባል፡ ህንዲ ኣብ 2001 4,134 ጥሕሰት ሕጊ፡ ኣብ 2002 ድማ 5,767 ጥሕሰት ከም ዝተፈጸመ ጸብጺባ።
'ምክትል የሱስ... ኤል ቻፖ... ሸያጢ ደርሆ'፡ ዓሰርተታት ሳጓታት ዝለግቦ ዘሎ ፕረዚደንት
ሩቶ ነቲ ናይ ዳግመ-ምጥማቕ [ሓደሽቲ ሳጓታት] ዝንባለታት ተቐቢሉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኬንያውያን ብብዙሓት ዝገደፍሉ ከም ዘይብሎም ብዋዛ ኣምሲሉ ሕርቃኑ ገሊጹ።
ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ ዘቕረቦም ኣርባዕተ ክሲታት
ንሱ፡ ኣብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለዉ ብዝብል ብሰፊሑ ክዝረበሎም ዝጸንሐ ጕዳያት ዘይሕጋዊ ዕደናን ንግዲን ወርቂ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ምጥፍፋእ ብዲያስፖራ ትግራይ ዝተኣከበ ገንዘብን ካልኦትን ተደጋጋሚ ክሲታት ከቕርብ ተሰሚዑ።
'ብሽም ሓድነት ገበነኛታት ንሓብእ ነይርና'፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ
ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዝበሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ፡ ምዝውዋር ሰባትን ካልእን፡ ጥርጡራት ብሽሞም ዝፍለጡ ምዃኖምን ገሊኦም'ውን ብፍቓድ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተገብሩን ተዛሪቡ።
'ሓኪም ኰይነ ድኽነት እየ ከሲበ' - ሕቶን መረረን ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ
እቶም ሰብ ሞያ ሕቶታቶም ናብ መንግስቲ ከምዘቕረቡ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት መልሲ ክወሃቦም ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዝህቡ ሰሙናት ሓሊፎም ኣለዉ።
ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ 'ሰላም ምስ ኵላትኩም ይዅን'
ቅድሚ ገለ ደቃይቕ ካብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝርከብ መውጽኢ ትኪ ጻዕዳ ትኪ ክወጽእ ተራእዩ። እዚ ድማ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ከምዝተዛዘመን ካርዲናላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝመረጹን ዘመልክት እዩ። መን ከም ዝተመርጸ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ትግራይ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝጸንሐ ብርሃነ ገብረገርግስ ተፈቲሑ
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንብርሃነ ናብ ፈደራል መንግስቲ 'ኣሕሊፉ ክህቦ እዩ' ኢሎም ዝጠርጠሩ ኣባላት ሰራዊት ኣርሚ 22 ንጣብያ ፖሊስ ዓይደር ከቢቦም ብቐረባ ክከታተሉዎ ከም ዝወዓሉ ጸብጻባት ካብ ከተማ መቐለ ገሊጾም።
ጓላ ዝሰኣነት ሕዝንቲ ኤርትራዊት፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ሰምሰርቲ ዘለዋ ቍጥዐ
ጸሓይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ፍሉጥ ቀላይ ቱርካና ክትዓርብ እንከላ፡ ኤርትራዊት ስደተኛ ሰናይት መብራህቱ፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት [ሰምሰርቲ] ብዝጥቀምሉ ብዝነበሩ ሓድሽ መስመር ኣቢላ ናብ ኬንያ ክትበጽሕ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝበረት እዋን ንዝጠሓለት ጐርዞ ጓላ እናዘከረት፡ ኣብቲ ደንደስ ቀላይ ኰይና ዝርንዛሕ ትነብዕ።
ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝወድቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ መንኰርኰር ጠፈር
እዚ ብሕብረት ሶቭየት ኣብ 1972 ናብ ጠፈር ዝተላእከ ቆስሞስ-482 ዝተሰምየ መንኰርኰር ናብ ፕላኔት ቬኑስ ይጓዓዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ኣብ ቅናት-ምድሪ ክጸንሕ እዩ ተገዲዱ።