ትስፍው ሓድሽ መድሃኒት መንሽሮ ክሳድን ርእስን

ምንጪ ስእሊ, Laura Marston
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ልዑል ደረጃ መንሽሮ ርእስን ክሳድን ዘለዎም ሰባት ነዊሕ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ሓደ ክሊኒካዊ ፈተነ ይሕብር።
እዚ ንምሕካሙ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ዝንገረሉ ዓይነት መንሽሮ፡ ኣብ 20 ዓመታት ናይ መጀመርታ ኣወንታዊ ምልክት ምዃኑ ተገሊጹ።
መንሽሮ ርእስን ክሳድን ንምሕካም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣገባብ ሕክምና ሕሙማት ብዙሕ ለውጢ ኣይተራእየን ፀኒሑ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ልዑል ደረራ ዝርከብ መንሽሮ ርእስን ክሳድን ዝተረከቦም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ይሞቱ።
ጓል 45 ዓመት እንግሊዛዊት ላውራ ማርስቶን፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት መንሽሮ-መልሓስ ከምዘለዋ ምስተነግራ፡ "ክሳብ ሕዚ ብህይወት ምፅነሐይ እግረም" ኢላ።
ቅድሚ መጥባሕትን ድሕሪን መጥባሕቲ ዝወሰደቶ ኢሚዩኖቴራፒ [ካብ ሓደ ኣካል ሰውነት ናብ ካልእ ስጋ ወሲድካ ዝግበር ሕክምና] እዩ ነዚ ተስፋ ሂቡዋ ዘሎ።
እዚ፡ ኣካላትና ነቲ መንሽሮ ተመሊሱ እንተመፂኡ ከጥቅዖ ክመሃር ከምዝሕግዞ ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ላውራ ኣብ 2019 ድሕሪ ምርመራ ምግባራ፡ 30 ሚኢታዊት ናይ ምድሓን ዕድል ጥራይ እዩ ተዋሂብዋ ነይሩ።
ኣብ መልሓሳ ዝወፅአ ቁስሊ [ኣልሰር]፡ ክድሕን ኣይከኣለን ነይሩ።
እቲ ዝቘሰለ መልሓሳ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክሳዳ ዝነበሩ ጽክታት ንምእላይ ዓቢ መጥባሕቲ ብምግባር፡ ዳግማይ ምዝራብን ምብላዕን ክትመሃር ተገይራ።
ንሳ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሽዑ ጓል 39 ዓመት እየ ነይረ፡ ብጣዕሚ ድማ ተሃስየ ነይረ" ኢላ።
ላውራ ሓንቲ ካብተን ልዕሊ 350 ሕሙማት፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኢንስቲትዩት ምርምር መንሽሮ ክኢላታት ዘሳተፈ ዓለማዊ መጽናዕቲ- 'ኢሚዩኖቴራፒ መድሃኒት' እያ።
እዞም ተመሳሳሊ መንሽሮ ዘለዎም ሕሙማት፡ ከምቲ ልሙድ ዝወሃብ መድሓኒት ረኺቦም።
ኩሎም ኣብ ዝኰነ ከባቢ ልዑል መንሽሮ ርእስን ክሳድን ነይርዎም፣ እዚ ድማ ናብ ዝተረፈ ኣካላት ዘይተዘርግሐ እዩ።
እቲ ሓድሽ ኣገባብ ክንክን ግን ዳርጋ ኣብ ኩሎም ሕሙማት ኣወንታዊ ውጽኢት ኣርእዩ።
ንሕሙማት ካብ መንሽሮ ነጻ ዝኾኑሉ ግዜ፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ከባቢ 2 ዓመትን መንፈቕን ናብ ሓሙሽተ ዓመት ብዕጽፊ ኣዕብይዎ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ መድሓኒት -ፐምብሮሊዙማብ ዝተዋህቦም ሕሙማት፡ መንሽሮኦም ናብ ካልእ ቦታ ኣካላት ናይ ምዝርጋሕ ሓደጋ ብ10 ሚኢታዊት ኣውሪዱዎ።
"እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ።"
መልሓሳ ምስ ተቘርፀ ነቲ ዝገደፎ ባዶ ቦታ ንምምላእ፡ ካብ ጸጋማይ ቅልጽም ስጋ ወሲድካ ምትካል ከቢድ ጉዕዞ ነይሩ።
"እዚ ዘገርም መስርሕ፡ መሊሱ ህይወተይ ዘሪኡለይ።"
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ፈተነ ዝመርሐ ፕሮፌሰር ኬቪን ሃሪንግተን፡ ኢሚዩኖቴራፒ ነዞም ሕሙማት "ህይወቶም ክቕይር ዝኽእል'ዩ" ይብል።
"ኣብ ዙርያ ኣካላትና መንሽሮ ናይ ምዝርጋሕ ዕድል ብዓቢኡ ይንክዮ፡ ከምኡ እንተዘይከውን ንምሕካሙ ዘጸግም ምዀነ"።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ኣብ ዓመት ኣስታት 12,800 ሓደስቲ ሕሙማት መንሽሮ ርእስን ክሳድን ይርከቡ።
እዚ ፈተነ-መንሽሮ ኣብ ኣመሪካ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ሕክምና ዝቐረበ ዀይኑ፡ ካብቶም ተስፋ ዝተገብረሎም ምርምራት ተባሂሉ ይነኣድ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, SPL