ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ።

ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም።

እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ ኣትያ፡።

ኣብ ኵነተ-ኲናት ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2018 ደጊም፡ 'በሪ ሰላም ተኸፊቱ' ኣብ ዝተባህለሉ እዋን ዳግማይ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ (ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ) ተሸሚማ፡ ህይወት ብዙሓት መንእሰያታ ከፊላ።

ሕጂ'ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ላሕሊሑ ካልእ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ተፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝምድናታት ተቐያይሮም፡ ገሊኦም ኣብ ረጽሚ፡ ገሊኦም ኣብ ምትፍናን፡ ገሊኦም ድማ ሓድሽ ምሕዝነት ኣብ ምፍጣር ይርከቡ።

ኲናት ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሃዲኡ፤ ሻምብቆታት ብረት ከይዝሓለ ግን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓድሽ ግጭት ተወሊዑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ግን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ'ዩ። ዋላ'ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኲናት ከም ዘየድሊ ዝገልጹ እንተዀኑ፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜናታተን ዝለዋወጥኦ ዘለዋ መግለጺታት እቲ ኵነታት ይዓርግ ከም ዘሎ ዝእምት'ዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ እዚ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ዘጽንት ዘሎ ኲናት ብስም 'ሃገራዊ ድሕነት' እዩ ዝእወጅ። እዚ ግና ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? እዚ ቀዛፊ ዓንኬል ኲናትከ ብኸመይ'ዩ ክብተኽ ዝኽእል?

ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከም 'ከውሊ'

ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ውሕስነት ሃገራዊ ድሕነት ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ሃገር ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ብዙሓት ክኢላታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ዝሰማምዕሉ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ግን፡ እታ ሃገር ካብ እግሪ ተኽላ ጀሚሮም ግዳይ ጅኦፖለቲካዊ ባህግታቶም ክገብሩዋ ዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክትጸንሕ ከም እትገደደት'ዮም ዝምጕቱ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ከም ዝብሉዎ፡ ከምዚ ዝበለ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ብምህላዉ'ያ እታ ሃገር፡ ብኸምዚ እትኸዶ ዘላ ስርዓተ-ምሕደራ ክትክተል ተገዲዳ ዘላ።

እንተዀነ፡ እዚ ምጕት'ዚ መኸወሊ ፖለቲካዊ ስልጣን እቲ ገዛኢ ስርዓት ምዃኑ'ዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝገልጹ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበረ ዘርኣስላሰ ሽከር ብዛዕባ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ፡ ዋላ'ኳ ናይ ወጻኢ ስግኣት ክህሉ ባህርያዊ እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ስግኣታት ብቐንዱ ካብ ውሽጢ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ ዘብርህ።

ሓድነት ህዝቢ መሰረት ውሕስነት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ዝኣምን ዘርኣስለሰ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተጻዋርነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ፡ "ጠንቂ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት'ዩ፡" ይብል።

"እታ ሃገር ደቃ ሓቚፋ ኵሉ ብሓንሳእ ክነብረላ ዝኽእል እንተ ዘይኰይና፡ ሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ማለት'ዩ።"

ንቕዋምን ሕግታትን ሃገር ዝግዛእ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከተአንግድ ዘይትኽእል ሃገር ሓድነትን ጥምረትን ህዝባ ስለ ዘይተኽብር፡ ምግምማዕ ሕብረተሰብ ፈጢሩ ናብ ውሽጣዊ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት የምርሕ ይብል እቲ ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት።

ድሕሪ'ቲ ዕድመኡ 80 ዓመት ዝገማገም ዘሎ ፕረዚደንት ዝህሉ መጻኢ ዘጨንቘም ኤርትራውያን'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ንሱ ኣቦ መንበሩ ዝዀነ ህግደፍ ከም ውድብ ምድኻሙ'ውን ነታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ሓዲግ ኣትሪፉዋ ምህላዉ'ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ዘመልክቱ።

ኣብታ ቅዋም ዘይሰርሓላ ኤርትራ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ስቪካዊ ማሕበራትን ናጻ ፕረስን እጕድ'ዩ።

ወተሃደራዊ ምርኢት ተዓለምቲ ኣብ ሳዋ

ምንጪ ስእሊ, MOI/twitte

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ዝዀነ ሃገራዊ ምርጫ'ዩ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ።

ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን፡ እቲ ዝበሃል ስግኣት፡ "ነቲ ኵነተ-ኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ ኣብ [ኲናት] ንምጽማድ'ዩ። ኣብ ክንዲ ንምዕባለ፡ ንትምህርቲ ንብልጽግና፡ ንደሞክራሲ፡ ኣመሪካ መጻትካ፡ ወያነ ደገመትካ እናበለ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ካብ ግጭት ናብ ግጭት እናሰገረ 'ህድማ ንቕድሚት' ብዝብል መትከል፡ ንርእሱ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ'ዩ፡" ይብል።

ኣመሪካ እትርከበን ዓበይቲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ልኡላውነታ ድሕሪ ምእዋጃ ብኡንብኡ ከም ሓዳስ ሃገር ኣፍልጦ ሂበንኣ እየን። ስለዚ፡ ጸረ-መንግስቲ ኢሳይያስ እንተ ዘይኰኑ ጸረ-ኤርትራ ከም ዘይኰኑ ዘረጋግጽ'ዩ ይብል ክፍለዮሃንስ (ጎርደን)።

"ሓንቲ ሃገር ሃገራዊ ድሕነታ ከተረጋግጽ እንተ ደኣ ኰይና ነቶም ሃገራውያን መሰሎም ክትሕልወሎም፡ ከም ዜጋታት ክትሓቚፎም ኣለዋ። ግቡኦም ክፍጽሙ እንተዀይኖም መሰሎም ክሕለወሎም ኣለዎ።"

ኣብ 2009 ሓደ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ምርጫ ክንገብር እንተዄንና ንሕና፡ ህዝብና ቅድሚ ምርጫ ክፍጠረሉ ዘለዎ ጸጥታዊ ምርግጋእን ውሕስነትን ኣሎ፡" ብምባል "ነዚ ስግኣት'ዚ ኣብ ምውጋድ ክንሰርሕ ከለና ምርጫ ቀዳማይ መስርዕ ክሕዝ ኣይክእልን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ክፍለዮሃንስ ግን፡ "እዛ ሃገር እዚኣ እንድሕር ናይ ኵሉ ሃገራዊ ዘይኰይና፣ ኵሉ ሃገራዊ ብዝወከሎ [ባይቶ] ዘይትዝትን ዘይትውስንን እንተ ኰይና፡" ሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣቱ'ዩ ዝገልጽ።

እታ ሃገር ኵሎም ዜጋታታ ብማዕረነት ዝነብሩላ ኣብ ክንዲ ትኸውን ውሑዳት ሰበስልጣን ከም ድልየቶም ዝገብሩላን መቺኡዎም ዝነብሩላን እንተዀይና፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት ዘይኰነ ብዛዕባ ጕጅለኣዊ ድሕነት'ያ ትግደስ ክብል'ውን ይነቅፍ።

"ስለዚ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ኵሉ'ቲ መንግስታዊ ቅርጽን ነቲ ሃገራዊ ሓድነት ዘደልድል ንሃገራዊ ስግኣት ከኣ ዝከላኸል ደኣ'ምበር፡ ንሱ ኣንጻር ሃገራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ድሕነትን ኰይኑ ኣይፈልጥን'ዩ፣ ክኸውን ከኣ ይክእልን'ዩ፡" ድማ ይብል።

ምልካዊ ኣካይዳ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ነታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቓ ዝምጕት ዘርኣስላሰ ብወገኑ፡ "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኸመይ ድዩ ዝምራሕ ዘሎ፡ ሰለስተ ጨናፍር መንግስቲ [ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻሚን ኣካላት] እንተ ዘይሰሪሖም፡ እታ ሰልፊ [ህግደፍ] ሃለዋት እንተ ዘይብላ፡ ቀጻልነቱ ብኸመይ ከረጋግጽ ይኽእል");