ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት

ምንጪ ስእሊ, DM
እዛ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢጣልያዊት፡ ብዛዕባ ምስ ዘመን ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ዘበርከተት ህብብቲ ደራሲት'ያ።
ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን'ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ - ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ - ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ።
እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም ቀዳሞት 20 ዓመታት ህይወታ ኣብ ኣስመራ'ያ ኣሕሊፋቶም።
ኣብ'ቶም ናይ ሽዑ ተዘክሮታት ተመርኲሳ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ጽሒፋ ክነሳ፡ እቶም መጻሕፍታ ግን ንተራ ኤርትራውያን 'ኣብ ሰማይ ከም ዝተሰቕሉ' መጻሕፍቲ ኰይኖሞም ይርከቡ።
ሓድሓደ ሰባት፡ 'ታሪኽ ንመግዛእቲ ብዝውክሉ ሰባት ክጸሓፍዶ ምተገብአ");