'ምክትል የሱስ... ኤል ቻፖ... ሸያጢ ደርሆ'፡ ዓሰርተታት ሳጓታት ዝለግቦ ዘሎ ፕረዚደንት

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዙሕ ሳጓታት ዘለዎ ሰብ እዩ።

ምክትል የሱስ፡ ኤል ቻፖ፡ 'ሃስለር'ን ሸያጢ ደርሆን ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘጥረዮም ሳጓታት ሒደት እዮም።

ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ቅፅል ስም ክወሃቦም ከሎ ዝረአ፡ ክልቲኡ ትርጕም ዝሓዙ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ፍቕርን ኣድናቘትን ንምግላጽ ዝወሃቡ ፍቱዋት እዮም፤ ገሊኦም ግን ንላግጽን ዓሚቝ ቁጥዐ ንምንጽብራቕን ዝዓለሙ ይመስሉ።

ታሪኽ ሳጓታት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ኣረኣእያ ብኸመይ እናተቐየረን እናተሸርሸረን ከም ዝመጽአ ንምርኣይ ኣመት ዝህብ እዩ።

ሩቶ ነቲ ናይ ዳግመ-ምጥማቕ [ሓደሽቲ ሳጓታት] ዝንባለታት ተቐቢሉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኬንያውያን ብብዙሓት ዝገደፍሉ ከም ዘይብሎም ብዋዛ ኣምሲሉ ሕርቃኑ ገሊጹ።

"ብዙሕ ኣስማት ሂብኩምኒ። ቅድም ቀዳድም 'ዊልያም ኪፕቺርቺር ሳሞይ ሩቶ' ዝብል ስም ነይሩኒ። 'ሰርቫይቨር' ዝብል ትርጕም ዘለዎ ቃል 'ዛካዮ' ወሲኽኩሙለይ፤ ሕጂ ድማ ኣብ 'ካሶንጎ' በፂሕኹም ኣለኹም። ኣብ ዓሰርተ ዲኹም ጠጠው ክተብሉ፤ ወይስ ንኻልኦት ክዳሎ");