ብኮኾብ ገብረሃወርያ ዝተደርሰት ፊልም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ፈስቲቫል ካን ክትቀርብ'ያ

ምንጪ ስእሊ, shinkanu marma
ኣብ ህንዲ፡ ተመሃሮ ኢንስቲትዩት ፊልምን ተለቪዥንን ሳትያጂት ሬይ ዘዳለዉዋ ሓጻር ፈልም፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ መበል 78 ዓለምለኻዊ ፈስቲቫል ፊልም ካን 2025 ቀሪባ ክትወዳደር እያ።
እታ 'A Doll Made Up of Clay' ዝብል ርእሲ ዝተዋህባ ፊልም፡ ኣብቲ ካብ መላእ ዓለም ዝተሓረዩ ብተመሃሮ ዝዳለዉ ፊልምታት ክቐርብሉ ዝተሓዝአ፡ ውሩይ ክፍሊ እዚ ፈስቲቫል 'ለ ሲነፍ' (La Cinéf) ክቐርባ ካብ መንጎ ዝተረቝሓ 16 ዓለምለኻውያን ብተመሃሮ ዝፈረያ ሓጸርቲ ፊልምታት እያ።
ናይ 24 ደቓይቕ ንውሓት ዘለዋ ፊልም 'A Doll Made Up of Clay' (ብካይላ ዝተሰርሐት ባምቡላ)፡ ታሪኽ ሓደ ባህጊ ኵዕሶ እግሪ ዝነበሮ፡ መሬት ኣቦኡ ሸይጡ ናብ ህንዲ ከተማ ኮልካታ ዝተሰደደ ወዲ 23 ዓመት ናይጀርያዊ መንእሰይ ዝሓልፎ ህይወት ስደት ተዘንቱ።
ደራስን ኣላይን እዛ ፊልም ዝዀነ ኮኾብ ገብረሃወርያ ተስፋይ ድማ ተመሃራይ ኢንስቲትዩት ፊልምን ተለቪዥንን ሳትያጂት ሬይ (SRFTI) እዩ።
እታ ፊልም፡ ኣብ መበል 78 ፈስቲቫል ካን ፈረንሳ ክትቐርብ ብወግዒ ምምራጻ ልዑል ፍናን ከም ዝፈጠረሉ ተዛሪቡ።
ኮኾብ ካብ ህንዲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዚ ሓጺር ፊልም ቅድሚ ምድላው ካብ ናይጀርያ፡ ኮንጎ፡ ጋናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ናይ ዝመጽኡ ንቝጠባውን ስነልቦናዊን ጸገማት ዝተቓልዑ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ስደተኛታት ዝድህስስ ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልዩ ምንባሩ ጠቒሱ።
"ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሓሸ ዕድል ተስፋ ገይሮም ወይ ተታሊሎም ካብ ዓዶም ምስ ወጽኡ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ኣይኰነሎምን፣ እዅል ገንዘብ ኣይረኽቡን። ነዚ ስዒቡ ኣብ ጭንቀት፡ ወልፊታትን ካልኦት ጸገማትን ወዲቘም ምስ ርኣኹ'የ ታሪኽ እዚ ስደተኛ ክሰርሕ ወሲነ፡" ይብል።
መብዛሕትኦም፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ዝዀኑ፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ግን ድማ መምለሲ ገንዘብ ዝሓጸሮምን ኣብታ ዓዲ ዝጸንሕሉ ቪዛ ዝሓረሮምን ኰይኖም ብዙሓት መስገደላት ዝሓልፉ ዘለዉ ምዃኖም የረድእ።
ስለዚ፡ "እታ ፊልም ነዚ ሓቃዊ ህይወት ምርኵስ ገይራ'ያ ተጻሒፋ፡" ኢሉ።
ፊልም 'A Doll Made Up of Clay' ብቛንቋታት ዮሩባ (ናይጀርያ) ከምኡ'ውን ቤንጋሊ (ህንዲ) ክትዳሎ እንከላ፡ ኣብ ህንዲ ሕልሚ ኵዕሶ እግሪ ንምስኻዕ ብዝብል እምነት ዝመጽአ - እቲ ሕልሚ ብኸቢድ ኣካላዊ መጕዳእቲ ይቕህም - ተስፋ ዝቘረጸ ግን ድማ በሰላኡ ንምሕዋይን ተስፋታቱ ንምምላስን ናብ ስርዓት ኣቦታቱ ናይ ዝምለስ ናይጀርያዊ መንእሰይ ትነግር።
እቲ ኢንስቲትዩት ነዛ ፊልም ከፍሪ እንከሎ፡ ቪኖድ ኩማር (ሲነማቶግራፊ)፡ ሶሃም ፓል (ድምጺ ምቕራጽን ዲዛይንን)፡ ሃሪሽ ኡባለ (ተሓጋጋዚ ኣላዪ) ገለ ካብቶም ኣባላት ምድላው እዛ ፊልም'ዮም።
![ፊልም 'A Doll Made Up of Clay' ብቋንቋታት ዮርባን [ናይጄሪያ] ቤንጋሊን (ህንዲ) ተዳልያ ኣላ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/sprodpb/10d1/live/6125d430-2517-11f0-b26b-ab62c890638b.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Vinod kumar
መበል 78 ፈስቲቫል ፊልም ካን ካብ 13 ክሳብ 24 ግንቦት 2025 ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዛላምበሳ ተወሊዱ ዝዓበየ ወዲ 28 ዓመት ኮኾብ፡ ቅድሚ ካብ ቤት-ምኽሪ ባህላዊ ምርምር ህንዲ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ህንዲ ምዃዱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብቲያትሪካል ኣርት ተመሪቑ። ኣብ ርእሲኡ'ውን ቪድዮግራፊን ፎቶግራፊን'ውን ተማሂሩ።
ህቡብ ኣፍራዪ ፊልም ብምዃን፡ ዝተፈላለዩ ታሪኻውን ማሕበራውን ዛዕባታት ብመልክዕ ሲነማ ክቐርቡ ብምግባር፡ "ሰብኣውነት፡ ሰላም፡ ተስፋን ሓልዮትን፡" ክሰብኽ ከም ዝሕልን ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝሰርሓ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ድሕረ-ባይታን ዘለዎም ሰባት ክህሉዎም ዝግባእ ምክእኣል እተርኢ 'ይቅርታ' ዝተሰምየት ሓጻር ፊልም ተመሃሮ ንመበል ሓምሻይ ሽልማት ፊልም ጉማ ተሓጽዩ፡ ምስክር ወረቐት ሕጹይነት ተበርኪትሉ'ዩ።
ብ2024 ድማ ኣብ ዙርያ ኲናት ትግራይን ሳዕቤናቱን ትዅረት ዝገበረት 'ረስትለስ ላንድ' እትብል ሓጻር ፊልም ከዳሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓለምለኻዊ ፈስቲቫላት ፊልም ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ እስያን ኣፍሪቃን ክትቀርብ ከም ዝኸኣለት ገሊጹ።
ብ2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ድማ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ህንዲ ኣምሪሑ።
ኮኾብ፡ ኣብ ከባቢኡ ባህልን ኣነባብራን እቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ዘለዎ ትዕዝብቲ፡ መሓዙቱ ካብ ዘውግዑዎ ታሪኻት ፍቕርን ኣብ ኤርትራ ዝፈርዩ ዝነበሩ ደርፊታት ትግርኛን ኣብ ሞያ ስነጽሑፋቱ ጽልዋ ከም ዝገበርሉ ይገልጽ።
ብፍላይ "ሞዛይክ" ኣብ ዝብል ምድላው ተለቪዥን ኤርትራ ዝቐርቡ ዝነበሩ ህየሳታት ፊልም ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ትዅረት ከዕቢይ ሓጋዚ ግደ ነይሩዎም ኢሉ።
'ኣብ ማሕዘል ኣደይ ኰይነ ተመዛቢለ'
ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ኮኾብ ገብረሃወርያ፡ ኣብ ግዜ ኲናት ተወሊዱ በሰላታትን ስንባደታትን ኲናት ተሰኪሙ'ዩ ዓብዩ።
"ወትሩ ንትርጕም ኣልቦ ኲናት፡" ተቓላዕቲ ኰይንና ኢና ንነብር ዘለና ይብል።
ንሱ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብታ ንዶብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ከተማ ዛላምበሳ ክውለድ እንከሎ፡ ወዲ ሓደ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዩ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተወሊዑ።
ነዚ ስዒቡ ምስ ስድራቤቱ ናብ ከተማ ዓዲግራት ተመዛቢሎም።
"ኣብ ማሕዘል ኣደይ ኰይነ እየ ተመዛቢለ፡" ክብል ይገልጾ።
ድሕሪ እቲ ኲናት'ውን እንተዀነ ሓያሎ ንርግኣትን ድሕነትን ህዝቢ ዝዘርጉ ፍጻመታት ምንባሮም'ዩ ዘዘንቱ።
"መዓልታዊ ን20 ደቓይቕ ወይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምልውወጥ ተዅሲ ንሰምዕ ነይርና፣ ጥይት ይትኰስ እሞ ቈልዑ ስለ ዝዀንና ንሕባእ። ይዝከረኒ ኣደይ ተጸጊዓ ጸሎት ትገብር ነይራ።"
ብዙሓት መተዓብይቱ፡ ዘኻትምን ጕድኣት ኣካልን ኰይኖም ከም ዝዓበዩን እቲ ከባቢ ብስደትን ድኽነትን ዝተሃሰየ ምዃኑን ይዛረብ።
"ኲናት፡ እንታይ'ዩ ጠቒሙና? መንእሰይ ሞይቱ፡ ኣካሉ ጐዲሉ ክሰርሕን ክነግድን ዘይኽእል ኰይኑ። ብዙሓት ትምህርቲ ዘይመሃሩ ዘኻትም ቈልዑ ነይሮም። ዛላምበሳ ከኣ ዝተቐበሩ ቦንባታት ብምንባሮም ብዙሓት ቈልዑ ኣካሎም ጐዲሉ፡ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። እዚ ዅሉ መሬት ዓድኻ ከይትረግጾ ክትፈርሕ ገይሩ'ዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Vinod kumar
እቲ ብ2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ደው ዝበለ ንኽልተ ዓመታት ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ጽልዋታት ሒዙ ምምጽኡ፡ ትዅረት ዘፍርዮም ስርሓት ፊልም ኣብ ዙርያ ስደትን በሰላታት ኲናትን ክኸውን ከም ዝጸለዎ'ውን የረድእ።
ንሱ ወሲኹ፡ "እዚ ከም ማሕበረሰብ ብስነልቦና ጐዱኡና እዩ፣ ፈራሓት ገይሩና። ኵል ግዜ ኲናት . . . ኲናት . . . ኲናት መን እዩ ዝጥቀሞ");