'ደቀይ ኣብ መድረኽ ቃንዛይ ርእዮምዎ' - ኢትዮጵያዊት እትርከቦም ቈልዑ ዘዕበየት ኣንጀሊና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣንጆሊና ጆሊ፡ ብዙሕ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወታ እትዛረብ ሰብ ኣይኰነትን።
እዛ ኰኸብ ተዋሳኢት ሆሊውድ ግን፡ ደቃ ወትሩ ካብኦም እትሓብኦ ዝነበረት "ቃንዛ" ፊልም ኣብ እትሰርሓሉ መድረኽ ከም ዝርኣይዎ ትዛረብ።
ኣንጆሊና ጆሊ፡ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ማሪያ ካላስ ዝተባህለት ደራፊት ኦፔራ ዘዘንቱ 'ማሪያ' ኣብ ዝተሰምየት ሓድሽ ፊልም ትዋሳእ ኣላ።
ንሳ፡ ኣደ ሽዱሽተ ቈልዑ ኰይና፡ እቶም ክልተ ካብ ሰብኣያ ነበር ብራድ ፒት ዝተወልዱ ማዶክስን ፓክስን ኣብቲ ፊልም ተሓጋገዝቲ ፕሮዳክሽን ኰይኖም ይሰርሑ ኣለው።
"እታ ገጸ-ባህሪ ብዙሕ ቃንዛ ኣለዋ፤ [ደቀይ] ብብዙሕ ነገራት ክሓልፍ ርእዮምኒ'ዮም። ስድራ ካብ ደቈም ዝሓብኡዎ ቃንዛ ከንጸባርቕ ርእዮምኒ ኣይፈልጡን። ሕጂ ንገሊኡ ክርእዩዎ ምስ ክኣሉ ብኡ ንብኡ ንተሓቛቘፍ ወይ ሻሂ የምጽኡለይ" ነይሮም ክትብል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ገሊጻ።
ጆሊ ወሲኻ፡ "ዝያዳ ብሓድሽ መገዲ" ምስ ደቃ ብኸመይ ብቕንዕና ክትዘራረብ ከም እትኽእል ንምፍላጥ ዝተረድኣትሉ ኣጋጣሚ ከም ዝዀነ ሓቢራ።
እዚ ብስቲቨን ናይት ዝተደርሰ ፊልም፡ ካላስ [Callas] ኣብ መወዳእታ ዓመታት (ኣብ 1970ታት) ኣብ ፓሪስ እትነብረሉ ዝነበረት እዋን እተዘንቱ እያ።
ጆሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተዛማዲ ሳሕቲ እያ ኣብ ናይ ተዋስኦ ስራሓት ክትርአ ጸኒሓ።
እዛ ሓድሽ ፊልም ድማ እታ ተዋሳኢት ናብ ስርሓ ክትምለስ ከምዝገበራን ምናልባት ንብልጽቲ ተዋሳኢት ዝወሃብ ሽልማት ኦስካር ክትሕጸ ከም እትኽእልን ይግመት።
ማሪያ ካላስ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደ ግሪኻዊ ሶፕራኖ ኰይና፡ ሓንቲ ካብቶም ፍሉጣት ደረፍቲ ኦፔራ እያ ነይራ።
ኣብቲ ንህይወታ ኣተኲሩ ዝተሰርሐ ፊልም፡ ጆሊ ናይ ገዛእ ርእሳ ድምጺ ምስ ዋና ቅዳሕ ሙዚቃታት ካላስ ተጠቒሞም ኣለው።
እታ ተዋሳኢት ነዚ ፊልም ንምስራሕ ኦፔራ ክትደርፍ ተማሂራ፤ እዚ ድማ "ልዑል ጻዕሪ" ዝሓትት ከም ዝነበረ ትገልጽ።
እቲ ስልጠና ኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ከም ዝወሰደት ድማ ገሊጻ።
"ብስሩዕ ናይ ምድራፍ ትምህርቲ ጀሚረ፤ ብብዙሕ መዳይ ድማ በዳሂ'ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ኦፔራ ትምህርቲ ክጅምር እንከሎ ግን፡ ምስ ስራሕ ትንፋስካን ኣካላትካን ዝጠልቦ ሓይሊ ስለ ዘሎ፡ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ" ትብል።
ጆሊ፡ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሓቶም ከም ቻለንጂን፡ ማሌፊሰንት፡ ሶልት፡ ከምኡ'ውን ሚስተር ኤንድ ሚስስ ስሚዝ ኣይደረፈትን፤ "ንምድራፍ ክኣ ሓፋር እየ" ትብል።
እዚ "ምናልባት ኣብ ህይወተይ ሰጋእ መጋእ ዝበልኵሉ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢላ።
![ጆሊ፡ ክልቲኦም ደቃ -ፓክስ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ማዶክ [የማን] ኣብ ቀረጻ ፊልም ማሪያ ሰሪሖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/sprodpb/1f39/live/dbcfe7d0-bdc4-11ef-a0f2-fd81ae5962f4.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ኣንጆሊና ጆሊ ዝዀኑ ወዲ 23 ዓመት ማዶክስን ወዲ 21 ዓመት ፓክስን ቅድሚ ሕጂ ምስኣ ኣብ ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ሰሪሖም እዮም፤ ሓንቲ ካብኦም ፊልም 'Without Blood' ትጥቀስ።
ክልቲኦም ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ምርኢት ፊልም ማርያ ምስ ንእሽቶ ሓፍቶም ዛህራ ብምዃን ንኣዲኦም ኣሰንዮምዋ ነይሮም።
ጆሊ ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም ምስ ብራድ ፒት ፍትሕ ሓቲታ።
እዞም መጻምዲ ኣብ ምዕባይ ቈልዑ ዝምልከት ኣብ ሓያል ክትዕ ቤት ፍርዲ ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ ብ2021 ፒት ናይ ሓባር ሞግዚትነት ተዋሂብዎ።
እዞም ኰኸባት ሆሊዉድ፡ ሺሎን ቪቭያንን ዝተባህላ ኣዋልድን ካልእ ኖክስ ዝተባህለ ወድን'ውን እዮም ብሓባር ዘዕብዩ።