ትውልደ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን ዝተዋስኣትሉ ፊልም 'ዘ-ሲክስ ትሪፕል ኤይት'

ጓል 30 ዓመት መንእሰይ ኢቦኒ ኣብታ ብ20 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኔትፊሊክስ ዝተዘርግሐት ፊልም 6888 መሪሕ ተዋሳኢት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓል 30 ዓመት ኤርትራዊ መበቈል ዘለዋ መንእሰይ ኢቦኒ ኣብ ፊልም 6888 መሪሕ ገጸ ባህሪ ሊና ዴሪኮት ለቢሳ ተዋሲኣ

ምከና ዛንታ 1945 ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ።

ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝነበራኣ በጦሎኒ 6888 [ሲክስ ትሪፕል ኤይት] ተባሂላ እትጽዋዕ ኣሃዱ ድማ ናብቲ ግንባር ተላኢኻ፤ ካብ ትጽቢት ጸዓዱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወጻኢ ዓቢይ ታሪኽ ሰሪሓ።

እዛ ኣሃዱ፡ ሞራል እቶም ኣብ ውግእ ተዳኺሞምን ደሃይ ስድራቤቶም ስኢኖም ተሰላችዮምን ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ሓፍ ኣብ ምባል ዓቢይ ታሪኽ'ያ ሰሪሓ።

ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ክሳብ ፊልም 'The Six Triple Eight' ኣብ ነትፍሊክስ እትዝርጋሕ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰፊሑ ከይተነግረ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣስታት 6,500 ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓሙሽተ ግንባራት ሰራዊት ኣመሪካ ኣገልጊለን።

432 ድማ ህይወተን ስኢነን።

እተን ኣባላት በጦሎኒ 6888 ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዝሐን 855 እዩ ነይሩ።

ካብን ናብን እቶም ኣብ ኣውሮጳ ወፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካን ስድራቤቶን ዝለኣኽ ደብዳበታት ናብቲ ዝተላእኮ ከይበጽሐ ዓመታት ተኾሚሩ።

መረረ ስድራቤታት ብመገዲ ሓንቲ ኣደ ኣብ እዝኒ ቀዳመይቲ እመቤት ወይዘሮ ሩዝቨልት - በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ - በጽሐ እሞ ግራመ ፈጠረ። "እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል");