'ኮንክላቭ'፡ እቲ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ መረጻ

ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 130 ካርዲናላት ተኣኪቦም ሓዲሽ ሊቃነ ጳጳሳት ክመርጹ’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 130 ካርዲናላት ተኣኪቦም ሓድሽ ሊቃነ ጳጳሳት ክመርጹ'ዮም

እዚ ዓይነት መረጻ እቲ ካብ ዓለም ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ ዓይነት መረጻ እዩ።

133 ካርዲናላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ሲስቲን ቻፕል ተኣኪቦም ንሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝትክእ ጳጳስ ክመርጹ'ዮም።

ኵሎም ከኣ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም፡ እቲ ዝነበረ መስርሕ መረጻ ንመዋእሎም ከም ምስጢር ንኽሕዝዎ ክምሕሉ'ዮም።

ብዘይካኦም፡ ኵሎም እቶም ነቶም ካዲናላት ዝምግብዎምን ነቶም ካርዲናላት ዝከታተሉ ክልተ ዶካትር'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ምስጢር ንዘይምውጻእ ክምሕሉ'ዮም።

ዝያዳ ነቲ ምስጢር ንምዕቓብ ኣብቲ እቶም ካርዲናላት ከዕርፍሉ ተዳልዩ ዘሎ ክልተ ገዛውቲ'ውን ዝዀነ ዝተሓብአ ማይክሮፎን ወይ መሳርሒታት መቕድሒ ድምጺ ከይህሉ'ውን ክፍተሽ'ዩ።

ኣብቲ ገዛ ዝዀነ ዋይፋይ ክህሉ'ውን ኣይፍቀድን'ዩ።

ምሉእ ዕጽዋ

እቲ ምሉእ ዕጽዋ፡ መስርሕ እቲ መረጻ ንኸይፍለጥ ተባሂሉ ጥራይ ኣይኮነን ዝግበር።

"ጽዩፋት ሓይልታት" ሓበሬታ ካብ ምጥፍፋእ ወይ መስርሕ ምዝራግ ደው ንምባል'ውን እዩ። እቶም ድምጺ ዝህቡ ምናልባት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውሳነታት ህይወቶም ክኸውን ዝኽእል ብናይ ደገ ዓለም ከምዘይጽለዉ ንምርግጋጽ'ውን ዝዓለመ'ዩ።

ካቶሊካውያን እቲ መረጻ ብኣምላኽ እምበር ብፖለቲካ ኣይኮነን ክብሉኻ እዮም።

ናብቲ ኮንክለቭ ምስ ኣተወ ኩሉ ሰብ ስልክታት፡ ታብሌታትን ስማርት ሰዓታትን ሓዊሱ ኩሎም ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ከረክብ ግዴታ ኣለዎ። ቫቲካን ነዚ ሕግታት ንምትግባር ናይ ገዛእ ርእሳ ፖሊስ ኣለዋ።

ኤዲተር መርበብ ሓበሬታ ክሩዝ ዝዀነ ጆን ኣለን "እቲ ስነ-መጐት ምትእምማን'ዩ ግን ከኣ ክረጋገጽ ኣለዎ" ይብል።

"ኣብቲ ኣዳራሽ ተለቪዥናት፡ ጋዜጣታት ወይ ራድዮ የለዋን" ይብል ንሰላሳ ዓመታት ሓላፊ ስድራቤት ጳጳሳት ዝነበረ ሞንሲኞር ፓውሎ ደ ኒኮሎ።

"ብዙሓት ክፍልታት ናብ ደገ ዘርኢ መሳዅቲ ኣለወን፣ እንተዀነ ኣብ ከምዚ ኵነታት ፈጺምካ ክትከፍተን ኣይፍቀድን'ዩ" ይውስኽ ፓውሎ።

ፓውሎ ኒኮል ኣብቲ ኣዳራሽ ዝኾነ ተለቪዥን፡ ራድዮ ወይ ጋዜጣ’ውን የለን ይብል
መግለጺ ስእሊ, ፓውሎ ኒኮል ኣብቲ ኣዳራሽ ዝዀነ ተለቪዥን፡ ራድዮ ወይ ጋዜጣ'ውን የለን ይብል

እቲ መረጻ ኣብቲ ነዋሕቲ መናድቕ ዘለዎ ቫቲካን ኴንካ'ዩ ዝካየድ። ከቢድ ሓለዋን መርመራን'ውን ይግበረሉ፡ እቶም ካርዲናላት ዋላ ንሓድሕዶም ክረዳድኡ'ውን ክልኩላት'ዮም።

ኢነስ ሳን ማርቲን ዝተብሃለት ኣመሪካዊት ተመራማሪት ኣባል ግብረ ሰናይ ፖንቲፊካል፡ "እቶም ካርዲናላት ፍጹም ክራኸቡ ኣይፍቀዶምን'ዩ" ትብል።

ኣስዒባ፡ "ንገለ ፍሉያት ኵነታት ከም 'ሓኪም የድልየና ኣሎ' ወይ 'ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪጾም ኣለዉ፣ ሓደ ሰብ ነቶም ኣብ ባዚሊካ ዘለዉ ደወል ክሕብሮም ይኽእል ድዩ' ዝኣመሰሉ ዘረባታት እንተዘይኰይኑ ቃላት ኣይለዋወጡን'ዮም፡" ትብል።

ሓደ ኣባል ካርዲናል ነዚ ሕጊ እንተጥሑሱኸ እንታይ'ዩ ዝስዕብ?

"ማሕላ ኣሎ፣ እቶም ነዚ ዝጠሓሱ ከኣ ዝነበሮም ተቐባልነት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ። ነዚ ክገብር ዝደፍር ከኣ የለን" ይብል ፓውሎ ዲ ኒኮሎ።

ሃድን ካርዲናል

ኣብ ቅድሚ እቲ ምስጢራዊ ጉባኤ ዝተፈለየ ጉዳይ እዩ።

ብወግዒ እቶም ካርዲናላት ሕጂ እውን እንተኾነ ርእይቶ ከይህቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ዝተቐብረላ ህሞት ኣትሒዙ ግን ገለ ክፋል ፕረስ ኢጣልያን ብዙሓት በጻሕትን መን'ዩ ተካኢኦም ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዝብል ርእይቶታት ይህቡን ይጽሕፉን'ዮም።

እቶም ካርዲናላት ቅድሚ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ምእታዎም፡ ሓደ ጽንብል ናይ ድራር የካይዱ፡ እዚ ከኣ ናይ መወዳእታ ድራር ተባሂላ ትጽዋዕ።

ጋዜጠኛታት ከኣ ገለ ምስጢር ንምርካብ ዋላ ነቶም ኣአንግድቲ እቲ ድራር ዝነበሩ'ዮም ዝሓትዎም።

ላ ሪፓብሊካ ዝተብሃለት ፍልጥቲ ጋዜጣ ኢጣልያ፡ "ወይንን ሪጋቶኒን፡ ናይ መወዳእታ ድራር ካርዲናላት" ብዝብል ኣርእስቲ፡ "መሳፍንቲ ቤተክርስትያን" ቅድሚ ዕጽዋ "ጽቡቕ ድራር ሮማውያን" ከምዘስተማቕሩ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣስፊራ ነይራ።

ጸሓፊ እቲ ዓንቀጽ ንሓደ ካብቶም ኣአንገድቲ እቲ ድራር ዝነበሩ ኣብ ዝሓተተሉ፡ "ቃል ዝብሃል ኣይሰማዕናን፤ ኵሉ ግዜ ቅርብ ምስ በልናዮም ስቕ'ዮም ዝብሉ" ኢሉ ከምዝመለሰሉ ኣብታ ጋዜጣ ኣስፊሩ'ሎ።

ጋዜጠኛታት እቶም ካርዲናላት ናብ ዕጽዋ ቅድሚ ምእታዎም ክረኽብዎም ዘይገብርዎ የብሎምን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛታት እቶም ካርዲናላት ናብ ዕጽዋ ቅድሚ ምእታዎም ክረኽብዎም ዘይገብርዎ የብሎምን

ጋዜጠኛታት እቶም ካርዲናላት ናብ ዕጽዋ ቅድሚ ምእታዎም ክረኽብዎም ዘይገብርዎ የብሎምን።

ኣብ ቫቲካን ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 250 ዝዀኑ ካርዲናላት ተኣኪቦም ኣለዉ፤ እንተዀነ እቶም ክመርጹን ክምረጹን ዘለዎም ዕድመኦም ትሕቲ 80 ክኸውን ኣለዎ።

በዚ መሰረት ከኣ 133 ካርዲናላት'ዩም ክመርጹ።

ካብ ቫቲካን ወጸኢ ዘላ ዓለም

ኢነስ ሳን ማርቲን "እቲ ቀንዲ ነገር እቲ መረጻ ብሃይማኖት'ምበር ብፖለቲካ ዝተደፍአ ንኸይከውን'ዩ" ትብል።

እንተኾነ እቲ ጳጳስ ንኣዝየን ሃብታማት ዝኾና ትካላት ዝመርሕን፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት'ውን ካብ ምፍታሕ ግጭት ክሳብ ፖለቲካን ጾታዊ ጉዳያትን ርይቶኡ ዘስምዕ'ዩ።

ስለዝዀነ እቲ ዝምረጽ ጳጳስ ዘለዎ ርእይቶን ቀዳምነታትን ካብ መናድቕ ቫቲካን ኣዓርዩ ዝሓልፍ'ዩ።

ክሳብ 1907 ገለ ውሱናት ሰባት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍጹም ሓይሊ ነይርዎም'ዩ፤ ንሶም ዝመረጽዎ ጥራይ ይኸውን ነይሩ። ሕጂ ግን ነቲ ዘሎ ክትዕ ብዙሕ ዝጸልዎ ነገራት ኣሎ፡ ብፍላይ ከኣ ሚድያታት።

ጆን ኣለን እቶም ካርዲናላት ቅድሚ ምምራጽ ምጅማሮም ካብ ዝኾነ ካልእ ጣልቃታት ተሓይቦም’ዮም ዝጸንሑ
መግለጺ ስእሊ, ጆን ኣለን እቶም ካርዲናላት ምምራጽ ቅድሚ ምጅማሮም ካብ ዝዀነ ካልእ ጣልቃታት ተሓይቦም'ዮም ዝጸንሑ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንገለ ተወዳደርቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ዘጕልሕ መጽሓፍ፡ ከም በዓል ካርዲናል ሳራ ካብ ጊኒ ዝኣመሰሉ ዓቃባውያን፡ ምንጻል ጥንሲን "ኣጀንዳ ተመሳሳሊ ጾታን" ብምኹናን ይንእድ ኣሎ።

"ኣብ ገለ ገለ ዘገድሶም ጉዳያት ንምጕላሕ፡ ከበሮ ክሃርሙ ዝፍትኑ ጕጅለታት ኣለዉ" ይብል ጆን ኣለን። "እቶም ካርዲናላት ነዚ ዓይነት ነገር ይፈልጥዎ እዮም፣ ነቲ ወረቓቕቲ የንብብዎ። ግን ንዕኡ ንምዕጋት ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ እዮም፡" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ኣብዚ መረጻ ጐስጎስቲ ወይ ኣማለድቲ ኣለዉ ድዮም? ኣብ ዝብል፡ እወ ከም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መረጻ" ትብል ኢነስ ማርቲን፤ "ግን ከምቲ ኣነ ዝሓሰብክዎ ዓው ኢልካ ዝግበር ኣይኰነን" ትውስኽ።

እዚ ብኸፊል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ሓደስቲ ቦታታት ብዙሓት ሓደስቲ ካርዲናላት ስለዝሸሙ'ዩ እቲ ድምጺ ዘይስማዕ ትብል ኢነስ ማርቲን።

"ሓምሳ ወይ ስሳ ሚእታዊት ካብቶም ካርዲናላት ንሓድሕዶም እኳ ኣይፋለጡን እዮም" ትብል።

ድምጺ ከየስማዕካ ድምጺ ምሃብ

ክሳብ ረቡዕ ንግሆ ኵሎም መረጽቲ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ኣብ ቦታኦም ክህልዉ ኣለዎም፤ ተሌፎኖም ተሓዲጐም፡ ምስዛ ዓለም ዘለዎም ርክባት ክብተኽ'ዩ።

ጆን ኣለን፡ ውልቃዊ መረጻ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካ፡ 'ሊበራላውያን' ወይ 'ዓቃባውያን' ውድባት ወይ ብ ህዝባዊ ክትዕ" ክዕብለል ምዃኑ ይኣምን።

"ብሓቂ ኣብዚ እዋን እቶም ካርዲናላት ኣብ መንጐኦም ዝገብርዎ ዘተ ወሳኒ ይመስለኒ" ትብል ኢነስ ሳን ማርቲን።

"ብዙሓት ንመጀመርታ ግዜ ድምጾም ዝስምዑ ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም'ዩ ክምረጽ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ቃሉ መን ዝያዳ ኣነቓቓሒ ይኸውንን ንዅሎም ይምስጦምን ግን ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ትብል።