ሳንዱቕ-ሬሳ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሬሳ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ዝኾኑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ክብጻሕ ጀሚሩ።
እቶም መንፈሳዊ መራሒ ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ይዝከር።
ቫቲካን ዘውጽኦ ስእልታት ከምዘመልክቶ፡ ሬሳ ናይቶም መራሒ ሰዓብቲ ካቶሊካዊት ቤተክረስትያን ዝኾኑ ፍራንሲስ ኣብ መንበሪኦም ኣብ ዝርከብ ቤት-ጸሎት (ቻፕል) ኣብ ክፉት ሳንዱቕ ኣትዩ፡ ብሓለዋ ስዊስን ካርዲናላትን ተኸቢቡ ይርአ።
እቲ 110 ኣባላት ዘለውዎ ሓለዋ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ኣብ 1506 በቲ ሽዑ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበሩ ጁልየስ ዳግማዊ ዝተመስረተ ሓይሊ ጸጥታ እዩ።
ኣባላቱ ድማ ዘይተመርዓዉን ትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን ስዊዘርላንዳውያን ሰዓብቲ ካቶሊክ ክኾኑ ኣለዎም። ብሰራዊት ስዊዘርላድ ዝወሃብ መሰረታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ዝግደዱ ኮይኖም፡ ቅድሚ ኣስታት 5 ክፍለ-ዘመን ዝኽደንዎ ዝነበሩ ልብስታት'ዮም ዝገብሩ።
ሬሳ ናይቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ጽባሕ ረቡዕ ብሓለዋ፡ ካርዲናላትን ኣመንትን ተዓጂቡ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ክውሰድን ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ኣብኡ ክጸንሕን'ዩ። ህዝቢ ድማ ንመወዳእታ እዋን ናብቲ ክፉት ሳንዱቕ ብምብጻሕ ንመወዳእታ ግዜ ክሰናበቶም ዕድል ክረክብ'ዩ።
ስነስርዓት ቀብሮም ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ (ብኣቆጻጽራ ሮማ) ክፍጸም ምዃኑ ቫቲካን ኣፍሊጡ'ሎ።
ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ነገስታትን ንግስትታትን፡ ፍሉጣት ውልቀሳባት ከምኡ'ውን መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
እቶም ብትሕትናኦምን ምቕሉል መነባብሮምን ዝፍለጡ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ቀብሮም ካብቲ ልሙድ ወግዓዊ ስነስርዓት ትሕት ብዝበለ ኣገባብ ክካየድ ኣቐዲሞም ንጹር መምርሒታት ሂቦም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ዘገርም፡ ወጻኢ ናይቲ ዝካየድ ስነስርዓት ንቫቲካን ጾር ምእንቲ ከይኮኖ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ፈታዊኦም ክሽፍኖ ተረዳዲኦም እዮም ሓሊፎም።
ብዘይካ'ዚ፡ ካብቶም ዝበዝሑ ቅድሚኦም ዝሓለፉ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍልይ ብዝበለ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ዝቕበሩ፡ ግብኣተ-መሬቶም ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ንድንግል ማርያም ዝተወፈየ ቤተክርስትያን ክፍጸም'ዮም ወሲኖም።
መቓብሮም'ውን በዘይካ ንስሞም ዝኸውን ብኻልእ ቅርጺ ዘጌጸ ከይከውን ተማሕጺኖም እዮም።
እታ ዳርጋ ዝበዝሑ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን ዓለም፡ ከምኡ'ውን ኣማኢት ኣሽሓት ካቶሊካውያን ቀበርቲን በጻሕትን ከተአንግድ ትዳሎ ዘላ ኢጣልያ ሰለስተ-መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ'ላ።
ፕረዚደንት ፖላንድ'ውን ንኽብሪ ፍራንሲስ ዝመጽእ ቀዳም ኣብታ ሃገር መዓልቲ-ሓዘን ክኸውን ከምዝወሰነ ገሊጹ።
ድሮ ኣሽሓት ሰባት ሓዘኖም ንምግላጽ ናብ ቀጽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ (ቫቲካን) ከምኡ'ውን ኣብቲ ፍራንሲስ ዝቕበርሉ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ማጆር ክበጽሑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሰሉስ ምሸት ንዝኽሪ እቶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ክልቲኡ ቦታት ዓቢ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ክካየድ'ዩ።
ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ዝርከ ብመንበሪ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክሳብ ሓድሽ መራሒ ዝምረጽ ብዝመኸኸ ሽምዓ ተዓሺጉ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 252 ካርዲናላት (ሊቃነ-ጳጳሳት) ኣለዉዋ። ዝበዝሑ ኣብ ኣውሮጳ (114)፡ ኤስያ (37)፡ ደቡብ ኣመሪካ (32)፡ ከኡም'ውን ኣፍሪቃ (29) ይርከቡ።
እዞም ብእኩብ 'ኮንክሌቭ' (conclave) ተባሂሎም ዝጽውዑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ጳጳስ ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ዘለዎም'ዮም።
እንተኾነ፡ ድምጺ ክህቡ ዝፍቀደሎም ትሕቲ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ስለዝኾነ፡ 135 ካብኦም ጥራይ እዮም መተካእታ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝኸውን መራሒ ክመርጹ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘሎ።
ካብቶም ድምጺ ዝህቡ፡ ካብ ኣውሮጳ (53)፡ ካብ ኤስያ (23)፡ ካብ ኣፍሪቃ (18)፡ ካብ ደቡብ ኣመሪካ (17)፡ ካብ ሰሜን ኣመሪካ (16)፡ ማእከላይ ኣመሪካ (4) ከምኡ'ውን ኣህጉር ኦሽያንያ (ኣውስትራልያን ከባቢኣን) 4 ክኾኑ'ዮም።
ኣብ 2013 ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ተኪኦም ናብ መንበረ ቫቲካን ዝመጹ ፍራንሲስ ካብ ደቡብ ኣመሪካ (ኣርጀንቲና) ዝመጹ'ዮም።
ሕጂኸ ኣፍሪቃዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ይምርጽዶ ይኸውን ዝብል ብዙሓት ዝጽበይዎ ኮይኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock